ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ከምዘይጎድል ተፈሊጡ። ሓድሽ መራሒ ሕዝቦላህ ፡ ናዒም ቃስም ፡ዘተኣማምን ውዕል እንተልዩ ምስ እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝሰማምዕ ገሊጹ ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምርጫ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉ ኣብ ዘሎ እዋን ፡ እቶም ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣብቲ ወሳኒ ቦታታት ዝገብርዎ ወፈራ ኣሐዪሎም ቀጺሎም ኣለዉ ።