ኣብዚ ቕሩብ ዓመታት ካብ ተጻሒፈን ዝተሓትማ ናይቲ ፍሉጥ ታሪኽ ህይወት ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብዱልረሒም ይርከባ፡ ናይዛ "ዑስማን ዓብዱልረሒም፡ ታሪኽ ኮኾብ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ" ትብል 25 ምዕራፋት ኣስታት 350 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኮ/ል ካልድ ኣበራ እዩ። ካልድ ቅድሚ ሕጂ'ውን "ሚራመር" ዘርእስታ ናይቲ ፍሉጥ ግብጻዊ ጸሓፋይ ነጂብ ማሕፉዝ ተርጒሙ ኣሕቲሙ እዩ። ብዛዕባ እዛ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዕላል ኣካይድና ኣለና።