ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኣሰራርሓ ዝምልከቱ መምርሒታት ካብ ትካል ናብ ትካል ይፈላለይ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ገለ ዝተለምዱ ዘይተጻሕፉ ሕግታት ብሓፈሽኡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ንግዲ ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ዝኽተልዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ስራሕ ቦታ ብዙሕ ዘይዝውተር ሕጊታት ናብ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ልምዲ ክሰጋገር ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትጅምረሉ ፡ ነዚ ዘይተጻሕፈ ሕግታት ኽንምርምር ኢና ።