መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንዝተፈቐደሎም ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ እቶት ደገፍ ዝህብ ናይ ማሕበራዊ ውሕስና ስርዓት ኣለዎ ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ገለ ደረጃ ህይወቶም ናይ መንግስቲ ናይ ሓገዝ ክፍሊት ይረኽቡ እዮም ። ነዞም ክፍሊታት መን ክቕበሎም ከም ዝኽእልን ክንደይ ክፍሊት ከም ዝኽፈሎምን ጽኑዕ ሕጊ ድማ ኣሎ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ልሙድ ዝኾነ ናይ መንግስቲ ክፍሊታት ንመን ከም ዝምልከቶን ክንርእይ ኢና ።