ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ምክልኻል ፡ ምድላውነትን ግብረ-መልስን ዘደልድል ሓድሽ ስርዓት ከምዘድልዮ ተሰማሚዑ ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ጄኔቫ ዝግበር ዘሎ ናይ ዉድብ ጥዕና ዓለም ዋዕላ ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ናይ ለበዳ ውዕል ኣብ ጸገም ምህላዉ ተፈሊጡ ። ቅድሚ ኣኼባ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ ንድፊ ዘይተሰማዐ ስለ ዝነበረ: ኣብ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከኣል እዩ ዝመስል ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ድማ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ለበዳ "ኣብ ቀረባ" ምዃኑ የጠንቅቑ ኣለዉ ።