ኣቦ ወምበር ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኽዕነ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ፕረሲደንት ግ/ምም/ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ክዘራረብ ከምዝጸንሐ ኣቃሊዑ። ኣብ መልበርን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት እታ ከተማ ዘይረኣየቶ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ይግበር ኣሎ ። ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ክትጥቀመላ እትኽእል ባለስቲክ ሚሳይላት ትልእኽ ኣላ ብምባል ፡ እንግሊዝ ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓድሽ ማዕቀብ ኣጽኒዐን ።