እቲ ን ኣርባዕተ ዓመታት ህዝቢ ዓለም ብሃረርታ ክጽበዮ ዝጸንሐ ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ክጅምር እዩ። ኣስታት 200 ሃገራት ዓለም ድማ ኣብቲ ጸወታት ክሳተፉ ስፖርተኛታተን ድሮ ሊኢኸን ኣለዋ። ኣብቲ ፍጻመ ገለ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙን ዝግበር ጸወታታት ኦሎምፒክ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ፍጻመታት ክንድህስስ ኢና ። ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ኦሎምፒክ ተቓውሞታት: ናይ ምሕሳም ተቓውሞታት: ናይ ግብረ ሽበራ ተግባራት እውን ከይተረፈ ተራእዩ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ እዚ ስፖርት እዚ ፡ ምስ ከም ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ ፡ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ወይ ሱፐር ቦል ዝኣመሰለ ካልእ ዓይነት ስፖርት ኽነጻጸር ከሎ ፡ ኣዝዩ ኣቓልቦ ዝስሕብ ንምንታይ እዩ ?