For years, the labels 'left' and 'right' have been used to describe where political parties sit. But are they still useful? - ንነብስኹም ኣብ ጸጋማዊ ዲኹም የማናዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ተቐምጥዋ፧ ንዓመታት እዚኦም ኣስማት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ኣብ ዝበዝሑ መርገጺታቶም ኣበየናይ ይዝንብላ ንዝብል ንምግላጽ ወይ ንምዕቃን ከገልግሉ ጸኒሖም። እቶም ናብ ጸጋም ዝዘዝዉ ኣብ ዝያዳ ገስጋሳዊ ክብርታት ዝኣምኑ`ዮም፣ እቶም ኣብ የማናዊ ወገን ናይ`ቲ መዐየሪ ዘለዉ ድማ ኣብ ዝያዳ ዓቃባውያን ክብርታት ይኣምኑ። እዞም ኣስማት ግን ክሳብ ሕጂ ጠቐምቲ ድዮም፧ መርገጺ ፖለቲካውያን ሰልፍታትናን ፖለቲከኛታትናን ንምርዳእ ብሓቂ ይሕግዙና ድዮም፧